Tuesday, March 5, 2024

ንግዳዊ ልዉዉጥ ቻይናን ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ብናህሪ የንቆልቁል


 

ላዕለወይቲ ሓላፊት ምኒስትሪ ንግዲ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ምጉዳል መጠን ንግዲ ሃገራ ምስ ቻይና ጽቡቅ ነገር ዘመልክት ክኸዉን ከም ዝኽእል ሓቢራ።

እዛ ካተሪን ታይ እትበሃል ሓላፊት ኣብ መግለጺኣ, “ ምጉዳል መጠን ንግዲ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ምስ ቻይና ግድነት ኣሉታዊ እዩ ማለት ኣይኮነን,” ትብል። እዚ ምጉዳል ንግዲ ኣወንታዊ ምልክት ብዙሕነት ዓይነት ንግዲ ናይዘን ክልተ ሃገራት ከመልክት ከም ዝኽእል ትሕብር። ኣብ መንጎ እዘን ሃገራት ዘነበረ ንግዲ ብምጉዳል ድማ ምስ ካልኦት ሃገራት ዝገብርኦ ልዉዉጥ ንክዉስኽ ዝደፋፍእ ምዃኑ ሓቢራ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 2023 ኣብ መንጎ እዘን ክልተ ዝዓበያ ቁጠባታት ናይ ዓለምና ዝተኻየደ ንግዲ 17 ሚእታዊት ካብቲ ናይ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመት ከምዝጎደለ ጸብጻባት ይሕብሩ። እዚ ተርእዮ ምስቲ እንዳ ገፍሐ ዝመጽእ ዘሎ ኣብ ክልተ ዝተመቅለ ንግዲ ናይ ዓለምና ተወሳኺ ኣተሓሳሳቢ ነጥቢ ይገብሮ።

እዚ ኣብ መንጎ መራሕቲ ቁጠባ ዓለምና ዝኾና ሃገራት ዝርአ ዘሎ ፍልልይ ምስቲ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣብዚ ቀረባ እዋን ካብ ቻይና ዝመጻ ናይ ኤለክትሪክ መካይን ንሃገራ ናይ ጸትታ ሕቶ ስለ ዝኾና ተወሳኺ መርመራ ክግበረለን ብምእዋጃ ተጋዲዱ ኣሎ።

ምኽንያት ናይዚ ኣዋጅ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ክትሕብር እንከላ ናይ ኤለክትሪክ መካይን ሓበሬታ ካብ ተጠቀምተን ከምዝጸናጸናን ኣብ ርሑቅ ጫፍ ናይ ዓለም ኮይኑ ድማ ዋና ኣፍራዪ እተን መካይን ከምባህትኡ ካብ ምንቅስቃስ ጠጠዉ ከብለን ከምዝኽእል ዘለዎ ስክፍታ ከምዝኾነ ይሕብር።

ኣብ ቻይና ዝፈርዩ መካይን ኣብ ዝበዝሐ ኩርንዓት ናይ ዓለም ጽቡቅ ተጠላብነት ከጥርዩ እንከለዉ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ግን ናይ 25 ሚእታዊ ግብሪ ስለ ዝስልዓለን ናብቲ ዕዳጋ ክኣትዋን ተወዳደርቲ ክኾናን ኣይከኣላን።     

ምምሕዳር ዋይት ሃዉስ ምኽንያት ናይዚ ልዑል መጠን ግብሪ ካብ ቻይና ንዝመጻ መኻይን ክህብ እንከሎ - እቲ ሕጊ ግቡእ መልሲ ናይቲ ቻይና ንርእሳ ናብ ሃገራ ዝኣትዋ መካይን እትገብሮ ግብሪ ምዃኑ ትሕብር።

ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣብ 2023 ካብ ቻይና እትቅበሎ ንብረት ብ 20 ሚእታዊት ብምንካይ ናብ 427 ቢልዮን ዶላር ኣዉሪዳቶ። ቻይና ብወገና ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ናብ ሃገራ ትቅበሎ ንብረት ብ 4 ሚእታዊት ብሙግዳል ናብ 148 ቢልዮን ዶላር ኣንቆልቂላቶ።

ኣብ ዝሓለፉ ቀረባ ዓመታት ዝበዝሑ ኣብ መንጎ እዘን ሃገራት ዝተገብረ ንግዲ ናይ ኤልክትሮኒክስ, ማሽነሪን ክዳዉንትን ክኸዉን እንከሎ ኣብ 2022 ኣብ ዝለዓለ መጠን ጥርዙ በጺሑ ምንባሩ ይንገር። እንተኾነ ግን ኣብ ዝቀጸለ ዓመት 2023 ብዙሓት ትካላት ሕቡራት መንግስታት ኣብ ቻይና ዝርከበ ፋብሪካታተን ካብታ ሃገር ብምዉጻእ ናብ ካልኦት ሃገራት ከግዕዝኦ ጀሚረን።

ኣብ ትካል ዓለምለኻዊ ንግዲ - ማለት ዎርልድ ትሬድ ኦርጋናይዜሽን - ዝሰርሕ ክኢላ ንግዲ ዊልያም ሬንስች ብቃላቱ ክገልጽ እንከሎ, “ብዛይካቲ እንዳ ገፍሐ ዝኸይድ ዘሎ ፖለቲካዊ ፍልልይ እዘን ሃገራት እዚ ምንቁልቃል ኣብ መንጎአን ዝግበር ንግዲ ዉን ርኡይ ተርእዮ ቁጠባዊ ርሕቀት እዩ” ይብል።

እቲ ክኢላ ብምዉሳኽ, “እዚ እንዳ ኾነ ግን ምዉሳኽ ንግዲ ሕቡራት መንግስታት ምስ ሃገራት ደቡባዊ ምብራቅ ኤስያ ዘመልክቶ ነገር እንተ ሃልዩ - ገለ ትካላት ቻይና ነቲ ታሪፍ ናይ ሕቡራት መንግስታት ንምዉጋድ ትካላተን ካብ ቻይና ኣዉጺአን ናብ ጎረባብቲ ሃገራት የግዕዛ ከም ዘለዋ የረድእ” ይብል።

ምኽንያት ናይዚ ምንቁልቃል ንግዲ ኣብ መንጎ እዘን ሃገራት ከነጽር ዝኽእል ብ ሓላፊት ምኒስትሪ ንግዲ ሕቡራት መንግስታት ካትሪን ታይ ዝተወሃበ ቃል ከም ጭብጢ ብማዕከናት መራኸቢታት ይቀርብ ኣሎ። እታ ሚኒስተር ኣብ ዝሃበቶ ቃል, “ቁጠባዊ ዕብየት ቻይና ኣብ ዝተፈላለየ ኩርንዓት ዓለም ጸቅጢ ይፈጥር ኣሎ,” ትብል።

ኣብቲ ካብ 26 ክሳብ 29 የካቲት 2024 ኣብ ኣቡ-ዳቢ, ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ንመበል 13 ግዜኡ ዝተቃንዐ ኣኼባ - ትካል ዓለማዊ ንግዲ - ዎርልድ ትሬድ ኦርጋናይዜሽን - ኣብ ዘስመዓቶ መደረ እታ ሓላፊት, “ትካል ዓለማዊ ንግዲ ተርኡ ክጻወት ከምዘለዎን ነዚ ዝዓቢ ዘሎ ጽልዋ ቻይና ኣብ ቁጠባ ዓለም ዳግመ ግምት ክገብረሉ ከምዘለዎን” ሓቢራ።

ኣብቲ ዓለምለኻዊ ኣኼባ - ምኒስተራት ንግዲ ሃገራት ዓለም ንሓምሻይ መዓልቲ ክሳብ 1 መጋቢት ክናዋሕ እንከሎ ፍታሕ ነዚ ዘሎ ኩነታት ንግዲ ዓለም ንምምጻእ እቶም ወከልቲ ሃገራት ዓለም ዘትዮም።

ኣብ መንጎ እተን 166 ኣባላት እቲ ማሕበር ዝኾና ሃገራት ሓደ ስምምዕ ንምብጻሕ ግን ልዕሊ ዝኾነ እዋን በዳሂ ኮይኑ ቀሪቡ።

ድጎማ ኣብ ምግፋፍ ዓሳታት, ምዉጋድ ታሪፍ ኣብ ብ ኢንተርነት ዝካየዱ ንግዲ, ምሕዳስ ሕጊ እቲ ማሕበርን ካብቶም ዝተለዓሉን ዝተዘተየሎምን ነጥብታት እዮም።

ሕቡራት መንግስታት ሓንቲ ካብ መራሕቲ ምሕዳስ ሕጊ እቲ ማሕበር ዝጽዉዓ ሃገራት ኮይና ብፍላይ ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ነቲ ጻዉዒት ብዝለዓለ ደረጃ ክትጽዕረሉ ጸኒሓ ኣላ።

እታ ሃገር - ትካል ዓለምለኻዊ ንግዲ - ንቻይና ዘርብሕን ንሕቡራት መንግስታት ድማ ዝጎድእን ሕግታት ስለ ዘጽድቅ ብዝብል ምኽንያት ወትሩ ነቲ ማሕበር ኣብ ምዉቃስ እያ ጸኒሓ።

ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ዶናልድ ትራምፕ ድማ እታ ሃገር ንግርጭት ዝፈትሕ ኣካል እቲ ማሕበር - ከም ዝድስክል ገይራ እያ።

ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ጆ ባይደን ዉን ሕቡራት መንግስታት እቲ ማሕበር ኣካይዳኡ ክቅይር ቀጻሊ ክትጉስጉስ ጸኒሓ ኣላ።

ካትሪን ተይ, “ትካል ዓለምለኻዊ ንግዲ ንነፍስወከፍ ኣባል እቲ ማሕበር ዝኾና ሃገራት ይዕበያ ይንኣሳ ብማዕረ ከገልግል ከም ዝግባእ” ዉን ወሲኻ።

ኣብዚ እዋን ንግዲ ኣብ መንጎ እዘን ክልተ ዓበይቲ ሃገራት መሊሱ ከንቆልቅል ከሎ ክልቲአን ሃገራት ተወሳኺ ናይ ንግዲ ቀዉፊ ኣብ ንሓድሕደን ብምእዋጅ ሕጽረት ዝተፈላለዩ ንብረት ከም ዝስዕብ ገይረን። ብፍላይ ኣብ ሰደድ ናይ - ኮምፒተር ቺፕ - ከበድቲ መስገደል ንኣፍረይቲ ትካላት ብምፍጣር ንግዲ እቲ ንብረት ከም ዝዝሕትል ገይረን።

ብወገኑ ወሃቢ ቃል ኢምባሲ ቻይና ኣብ ሕቡራት መንግስታት ልዩ ፐንግዩ, “ንግዲ ኣብ መንጎ ሃገሩ ቻይናን ሕቡራት መንግስታትን ንዕቤት እተን ሃገራት, ንብልጽግና ዜጋታተንን ምርግጋእ ዕዳጋታት ዓለምን ኣገዳሲ ምኻኑ” ቃል ሂቡ።

ብተወሳኺ እቲ በዓል ስልጣን ሃገሩ ቻይናን ሕቡራት መንግስታትን ኣብ ንግዲ ክሰማመዓን ክደጋገፋን እንበር ክወዳደራ ከም ዘይብለን ጸቂጡ ገሊጹ።

ቅድሚ እቲ ኣብ ኣቡ-ዳቢ ዝተኻየደ ዋዕላ - ትካል ዓለምለኻዊ ንግዲ - ዳይረክተር እቲ ማሕበር ዝኾነት ዶክተር ንጎዚ ኦኮንጆ ኣብ ንመራኸቢታት ዓለም ዝሃበቶ መብርሂ እቲ ማሕበር ነዚ ኣብ መንጎ ቻይናን ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ተኸሲቱ ዘሎ ናይ ንግዲ ጸገም ንምፍትሑ ከምዝጽዕር ሓቢራ።

ክልቲኤን ሃገራት ቁጠባዊ ጽልዉአን ኣብ ኣህጉራት ኣፍሪቃን ኤስያን ንምዕባይ ኣብ ቅልስ ዝተጸምዳ ክኾና እንከለዋ ቀረብ ናይ ጥረ ነገራትን ማዕድናትን ንሃገረን ምዉሓስ እቲ መወዳደሪ ምኽንያት እዩ።

እዚ ኣካይዳ ናይዘን ሃገራት ንቁጠባ ዓለም ናብ ክልተ ከይምቀል የስግኦ ከምዘሎ ዳሪክተር ናይዚ ማሕበር ትገልጽ። ኣብቲ ናይ መጠንቀቅታ መግለጺኣ ዶክተር ንጎዚ, “እዘን ሃገራት ክጥንቀቃ ኣለወን ምኽንያቱ እዚ ኣካይዳ ኣብ ዕዳጋ ዓለም ዓቢ ነዉጺ ከምጽእ እዩ” ትብል።

መጽናዕቲ ናይቲ ማሕበር ከም ዝሕብሮ እዚ ህልኻዊ ኣካይዳ ቻይናን ሕቡራት መንግስታትን ንቁጠባ ዓለም ናይ 5 ሚእታዊት ምጉዳል ኣብ - ጃምላዊ እቶት ከስዕበሉ ከምዝኽእል ይሕብር። ቁጠባ ዓለም ኣብዚ እዋን ብምንሃር ዋጋታትን ምኽባር ናብራን ዝሳቀ ዘሎ ኮይኑ ዉድድር ቻይናን ሕቡራት መንግስታትን ኣብ ምዕብላል እዚ ንግዲ ድማ ተወሳኺ ዕንቅፋት ኮይንዎ ይርከብ።


                                                                                                           ዮሴፍ ከ. ኣፈወርቂ
                                                                                                            ኣማኻሪ ፋይናንስ