Tuesday, September 6, 2022

ምድግጋም ኣደ ክእለት እያ





     ሓደ ስፖርተኛ ወጋሕታ ተሲኡ ፈኩስ ኣካላዊ ምንቅስቃስ ይገብር። ጅማዉቱ ምስ ተፈታትሐ ሙቀት ሰዉነቱ ዉን ምስ ደየበ ናብቲ ስሩዕ ክብድ ዝበለ ናይቲ ሞይኡ ዓይነት ስፖርት ልምምድ የካይድ። ኣብ ከባቢ ፍርቂ መዓልቲ ካብቲ ዝወዓሎ ሃልኪ ሰዉነቱ ንክህደስ ዕረፍቲ ይወስድ። ድሕሪ ቀትሪ መብዛሕትኡ እዋን ናይ ዉሽጢ ገዛ ምንቅስቃሳትን ልምምድን የካይድ። ነዚ ፍኹስ ዝበለ ልምምድ ብ ናይ ስነ-ሓሳብ ልምምድን ስልጠናን የሰንዮ። ኣብ ኣጋ ምሸት ድማ ንኣካሉን የእምርኡን ዘዛኒ ንጥፈታት ብምክያድ ብእዋኑ ይድቅስ።

     ነዚ ኣገባብ ንንዉሕ ዝበለ ዓመታት ንክቅጽሎ ድልየት ጥራሕ ዘይኮነ ዕላማን ራእን ኣለዎ።

     ሓደ ካልእ ኣብ ዝኾነ ዓዉዲ - ሞያዊ ዝኾነ ዕለታዊ ዉልቀ ሰብ ድማ ንዉሰድ። ንግሆ ተሲኡ ናብ ስርሑ ይወፍር። ኣብ ስራሕ ድሕሪ ምዉዓል ድማ ኣብ ፍርቂ መዓልቲ የዕርፍ። ኣብ ድሕሪ ቀትሪ ናብ ስርሑ ብምምላስ ስራሑ ይቅጽል። ኣብ ኣጋ ምሸት ካብ ስርሑ ተፋንዩ ድማ ወይ ናብ ገዝኡ ኣትዩ ምስ ስድርኡ ክዘናጋዕ የምሲ ወይ ምስ ይዕሩኽቱ ኣብ ደገ የምሲ።

     ናይዚ ካልኣይ ሞያዊ ዕለታዊ ናብርኡ ካብቲ ናይቲ ቀዳማይ ፍልይ ዝበለ እዩ። እቲ ቀዳማይ ነቲ ዕለታዊ ኣገባብ ናብርኡ ብምርጫ፥ መደብ፥ ዕላማ፥ ተጻዋርነትን ይገብሮ። እቲ ካልኣይ ሞያዊ ድማ ብዘይምርጫ፥ ብዘይዕላማ፥ ብዘይምጽማም ይገብሮ።

     እቲ ቀዳማይ ሞያ ጥራሕ ዘይኮነ ቀለጢፉ ክእለት ከማዕብል እንከሎ፥ እቲ ካልኣይ ከኣ ብምስክር ወረቀት ዝተሰነየ ሞያ እንበር ናብርኡ ከመሓይሸሉ ኢሉ ናብ ዉልቁ ዝቀየሮ ክእለት የብሉን። እቲ ቀዳማይ በቲ ተጸሚሙ ዘጥረዮ ክእለት ቁጠባዊ ለዉጢ ኣብ ሂወቱ ከምጽእ እንከሎ፥ እቲ ካልኣይ ግን ንሓምሳ ዓመት ዉን እንተኾነ በታ ዝኸዳ ኣገባብ እንተ ቀጸለ ቁጠባዊ ለዉጢ ኣይክረክብን እዩ።

   እቲ ቀዳማይ ተጻዋርነቱ እንዳ ኣዕበየ ምስ ከደ ሂወት እንዳ ቀለለቶ ትኸይድ። እቲ ካልኣይ ድማ ቀጻሊ ስልጠና፣ ዕቤት፣ ብልሒ ዘይብሉ፣ ተጻዋርነት ዘይብሉ ሂወት እንዳ ነበረ ሂወት እንዳ ከበደቶ ትኸይድ።

    ካብ ስራሕ ምስ ወጸ ወይ ነቲ ሞይኡ ምስ ኣቃረጾ እቲ ቀዳማይ በቲ ኣብ ንጡፍ ስራሕ እንከሎ ዘጥረዮ ንብረትን ንዋትን ርጉእ ሂወት ይነብር። እቲ ካልኣይ ድማ ንዋትን ንብረትን ከየጥረየ ክሳብ ዝመዉት ወይ ክሳብ ጥዕና ስኢኑ ካብ ስራሕ ደዉ ዝብል ይሰርሕ።

    እቲ ቀዳማይ ኣብ ሓድሽ ናይ ወፍሪ ዕድላት ቀጻሊ እንዳ ተሳተፈ ኣፍልጥኡ ኣብ ካልእ ሞያታት ክዓቢ እንከሎ፥ እቲ ካልኣይ ግን ነታ ሞይኡ ትበሃል ዓዉዲ ዉን ናብ ክእለት ከየማዕበለ ካብ ዓለም ይፍለ።

   ምትብባዕን ሞራልን ለዉጢ ከምጽኡ ኣብ ዓለም ብዙሕ ኣይረኣዩን እዮም። ለዉጢ ብ ዕላማ፣ ራእን ቀጻሊ ምድግጋም ሞያኻን እዩ ዝመጽእ። ምኽንያቱ ኣብ ሓንቲ ከተማ ዓሰርተ ብሞያ ምህንድስና ዝተመረቁ ክህልዉ ይኽእሉ። እቲ ከተማ ግን ከም መሃንድሳት ንክልተ ካብዞም ዓሰርተ ኣብ ንጡፍ ቀጻሊ ምዕባለ ዘለዎ መገዲ ዝጎዓዙ ዘለዉ ክኢላታት ጥራሕ እያ ትፈልጥ። ሂወት ዉን ነዞም ተደጋጋሚ ነቲ ሞያኦም ብምልምማድ ናብ ክእለት ዝቀየርዎ እያ እንዳ ቀለለትን ፍረ ዘለዋ እንዳ ኾነትን ትኸይድ።



                                                                                                                    ዮሴፍ ከ. ኣፈወርቂ
                                                                                                                    ኣማኻሪ ፋይናንስ